Ferensai.com
French for Tigrinya speakers

ኣደማምጻን ኣጸሓሕፋን ኣሃዝ ፈረንሳ

ቋንቋ ፈረንሳ ልክዕ ከም እንግሊዘኛ 26 ፊደላት ይርከቡዎ፣ ብተወሳኺ ከኣ ኣክሰንት (accent) ወይ’ከኣ ኣደማምጻ ቃላት ዝቕይሩ ብምልክት ዝተሰነዩ ፊደላት ኣለዉ። እዚ ኣብ ታሕቲ ዝስዕብ ዝርዝር ኣሃዝ ናይ ቋንቋ ፈረንሳ እዩ፤፤

ናይ ቋንቋ ፈረንሳ ኣሃዝ ካብ A ክሳብ Z ብድምጺ ንምስማዕ ኣብዚ ዝቕጽል ጽቐጥ፤፤

ቀጻሊ ነንሕድሕዶም ፊደላት ፈረንሳይኛ እንታይ አመስሉን፣ ከመይ ክነድምጾም እግበኣና ይገልጽ።

ፊደል ኣናብባ ተወሳኺ ሓበሬታ ድምጺ ንምስማዕ
A ኣን ኣ ከም ኣንበሳ
B ቤ ቤ ከም ቤት
C ሴ ሴ ከም ሴም
D ዴ ዴ ከም ዴንማርክ
E ኡ ከም ልኡላዊብድምጺ ተወከስ
F ኤፍ ኤፍ ከም f ኣብ እንግሊዘኛ ወይ ከኣ (ኤፍሬም)
G ዤ ከም ዤላቶ
H ኣሽ ኣሽ ከም (ኣሽትሬ)
I ኢ ኢ ከም (ኢትዮፕያ)
J ዢ ብድምጺ
K ካ ከም (ካቲም)
L ኤል ኤል ከም (ኤልሳ)
M ኤም ኤም ከም m ኣብ እንግሊዘኛ
N ኤን ኤን ከም n ኣብ እንግሊዘኛ
O ኦ ኦ ከም ኦም
P ፔ ፔ ከም ፔትሮል
Q ኲኡ ኩ ከም (ኲናት) ብድምጺ ተወከስ
R ኤኽ ኤኽ (ብቕልጣፈ)ብድምጺ ተወከስ
S ኤስ ኤስ ከም s ኣብ እንግሊዘኛ
T ቴ ቴ ከም ሆቴል
U ኡ ኡብድምጺ ተወከስ
V ቬ ቬ ከም ቬሎ
W ዱብል ቬ ዱብል ቬብድምጺ ተወከስ
X ኢክስ ኢክስ ከም eks (ብቕልጣፈ) ኣብ እንግሊዘኛ
Y ኢግኼክ ኢግኼክብድምጺ ተወከስ
Z ዜድ ዜድ ከም z ኣብ እንግሊዘኛ